Sign in to continue — we’ll finish this for you. No account? Sign up
ዝብህጋ ትግራይ
ኣንቅዶ ፀሓፊተጋሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብዘይ ምቁራፅ እንኸፍሎ ዘለና ረዚን መስዋእትነት"ምእንተ ምንታይ እዚ ኩሉ?" ዝብል ሕቶ ኣብ ርእሰይ ምምልላስ ካብ ዘዘውትርእንተነኣሰ ዓማውቲ ኣሕሊፉ። ሕዝ'ውን ግን እቲ ሕቶ ኣብ ሕልናይ ደጊሙደጋጊሙ ስለዝመፅእ፤ ንምታይ እዚ ኩሉ መስዋእትነት? ካበይ ዝነቅል እዩ? ዓለምንከባቢናን ስለዝፀልኡና ድዩ? ወይስ ጎረባብትና ሕሱማት ስለዝኾኑ? ወይስ ውሽጥናዝተሓባእናሉ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀገም እዩ?ነዞም ኣብ ላዕላይ ዘልዓልኩዎም ሕቶታት ንምምላስ እንትሓስብ እንተለኹ፤ ካብንደገ ምጥማት እቲ ነዚ ኩሉ መስዋእትነት ዘኽፍለና ዘሎ ፀገም ኣብ ውሽጥናምድላይ መሪፀ። ኣብዚ ፅሑፈይ ክንዲ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ኣተኲረ ክርእዮዝፈተንኩ፤ ማሕበራዊ ቅርፅና፣ ባህልና፣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትናን ልምድናንእዩ። ክንዲ ዝከኣል እውን ካብ ኣብ ትማሊ ወይ ድማ ኣብ ታሪኽ ምትኳር ኣብመፃኢ ህይወትና ዘመላኽትን ብውልቀይ ድማ ትግራይ ክትህነፀሉ ዝደልዩፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከርኢ ዘኽእል መልእኽቲ ኩሉ ትግራዋይ ክርዳኣኒ ይኽእልእዩ ኢለ ብዝኸኣልኩዎ መጠን ከሕልፍ ፈቲነ ኣለኹ።ትግራይ፤ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ህዝብታት ዝተፈለየ ፀገም ኣየጋጠማን። ልክዕነቶም ብዙሓት ብፈተና ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለውን፣ ንባዕሎም ክከላኸሉ ዓቕሚኣጥርዮም፣ ትካላት ሃኒፆምን ተቓሊሶምን ሃለዋቶም ዘረጋገፁ ጠንካራን ሕቡናትንህዝብታት፤ ወይ ድማ መስዋእትነቶምን ተጋድሎታቶምን ንበለል እናሕለፉዝጠፍኡ ህዝብታት ናይ ምዃን ዕድል ዝገጠመን ሓንቲ እያ።
▾ Read more▴ Show less
Available for Swap
0Nobody is offering this for swap right now.
Notify me when availableReviews
Bu kitaba henüz yorum yapılmamış. İlk yorumu sen yaz.